ደገፍ ምርካብ (Tigrinya)

ኣብ ሽወደን ጋሻ ኮይንኪ: እተዛርበኪ ናትኪ ናይ ውልቅኺ ደጋፊት ”ስቱራ ሲስተር” (ዓባይ ሓብቲ) ምደለኺ’ዶ

ኣብ ”ሸይሱነን” (Tjejzonen): ከማኺ ካብ 10-25 ዓመት ዝዕድመአን ኣዋልድ: ጽን ኢላ እትሰምዕን እትድግፍን ናይ ውልቀን ”ስቱራ ሲስተር” (ዓባይ ሓብቲ) ኪምደበለን ይኽእል’ዩ። ”ስቱራ ሲስተር” ማለት ብዕድመኣ ቍሩብ ካባኺ ዕብይ ዝበለት ኮይና: ብድላያ ኣብ ናጻ ግዜኣ ክትግደስ እትኽእል ጓል ማለት’ዩ። ሽወደንኛ ትኽእል’ያ: ዚበዝሕ እዋን ከኣ ካልእ ቋንቋ ንኣብነት ከም ዓረብኛ: ሶማልኛ: ትግርኛ ወይ ዳሪ’ውን ትኽእል’ያ።

ምስ ስቱራ ሲስተር እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ
ምስ ”ስቱራ ሲስተር” ኣብ ከከልተ ሰሙን ንዓመት ትራኸባ: ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታታት ከኣ ብሓባር ትሳተፋ። ንኣብነት ክትዛወራ: ቡን/ሻሂ ብሓባር ክትሰትያ: ናብ ቤት ንባብ ክትከዳ ወይ ካልእ ንጥፈት ብሓባር ክትሰርሓ ትኽእላ – ንስኺ ኢኺ ወሳኒት!

እዞም ኣብ ”ሸይሱነን” (Tjejzonen) ዘለና: ናይ ስትረት ግቡእ ኣሎና። እዚ ማለት ከኣ: ኵሉ’ቲ ንስኺ ትነግርና ነገር ንኻልእ ኣይንነግርን ማለት’ዩ። ኵሉ ዚወሃበኪ ደገፍ ናጻ’ዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ትደልዩ’ዶ?
ብዛዕባ ምርካብ ”ስቱራ ሲስተር” (ዓባይ ሓብቲ) ሕቶ ወይ ዘተሓሳስበኪ ነገር እንተሎ: ናብ ኤቨሊን ዛሞራ (Terese Balte Lindqvist) ብኢ-መይል terese.balte.lindqvist@tjejzonen.se ጽሒፍኪ ደሃይ ግበሪ።

ጠቐምቲ ኣድራሻታት ኢንተርነት
ብዛዕባ ግብረ-ስጋ: ጥዕና ወይ ዝምድናታት ሕቶ ወይ ዘተሓሳስብ ነገር እንተሎኪ: ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ youmo.se. ክትረኽቢ ትኽእሊ። ኣብኡ: ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንኣብነት ብሶማልኛ: ትግርኛን ዓረብኛ ሓበሬታ ኣሎ።

ንሓንቲ ካብተን ስቱራ ሲስትራና ርኸቢ
ሸዊት ኪዳነ ኣብ ሸይሱነን ”ስቱራ ሲስተር” እያ። ሽወደንኛ: እንግሊዝኛን ትግርኛን ትዛረብ። ሸዊት ብዛዕባ ”ስቱራ ሲስተር” ከምዚ ትብል:-

ናብ ”ዝሓሸ ናብራ” ክንመርሓኪ: ወይ ብኻልእ ኣገባብ ”ከነድሕነኪ” ኢልና ኣይኮናን ኣብዚ ዘለና። ክትዛረብሉ ዘይትደልዪ ነገር እንተሎ ብዛዕብኡ ኣልዒልና ኣይንዛረብን ኢና፤ ወይ ክትገብርዮ ዘይትደልዪ ነገር እንተሎ’ውን ኣይንገብሮን ኢና። እዚ ንዓኺ ዚርኢ’ምበር ንዓና ዚርኢ ኣይኮነን። በቲ ንስኺ እትደልይዮ ኣገባብ ጽን ኢልና ንሰምዓክን ደገፍና ንህበክን። ብተወሳኺ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ: ስምዒት – እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ – ብቓል እንተ ገሊጽካዮ: ኵሉ ነገር ቅልል ከም ዚብል ብተመክሮይ እፈልጥ’የ። ሓደ-ሓደ ግዜ: ምስ ዘመድካ ዘይኮነ ጓና ሰብ ክትዛረብ ይቐልል።